መሰረታዊ መረዳእታታት ብዛዕባ ማሕበረ ቅዱሳን

ሽም እቲ ማሕበር

ማሕበረ ቅዱሳን ትምህርተ ሃይማኖትን ስርዓት ቤተ ክርስትያንን ካብ ምሕላውን ምምሃርን ብተወሳኺ ናይ ቅዱሳን ፃድቃን ሰማዕታትን መላእኽትን ክብሪ፣ገድሊ፣ሰናይ ስራሕቲ፣ልመናን በረከትን ዝዝከረሉ ማሕበር እዩ፡፡

እቲ ማሕበር እግዚኣብሔር አምላኽ ዘኽበሮም ነቢያት፣ ሃዋርያት፣ ፃድቃንን ሰማእታትን ብሓፈሻ ናይ ቅዱሳን ገድሊ ስራሕትን ልመናን ዝዝከረሉ ብምዃኑ           ‹‹ ማሕበረ ቅዱሳን›› ዝብል ሽም ረኺቡ፡፡

ራእይ እቲ ማሕበር

ዓለም ለኸ መንፈሳዊ ግልጋሎት ዝተስፋሕፈሐ፣ናይ ሰናይ ምምሕዳር መርአያ ዝኾነት፣ አብ እዋን ፈተና ብመንነታ ፀኒዓ ልዕልናኣ እትሕሉ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ምርኣይ ይኸውን፡፡

ልእኽቶ እቲ ማሕበር

ውፅኢት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ሜላታት ብምጥቃም እቲ ማሕበር ግቢ ጉባኤያትን ምእመናንን ትምህርተ ወንጌል፣ ስርዓትን ትውፊትን ክፈልጡን ክሕልውን፤ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ መሓውር ምምሕዳራ ክጠናኸርን ክምዕብል ምግባርን በብእዋኑ ንዘጓንፉ ሃይማኖታዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ፀገማት ብምስትብሃል ሓዋርያዊ ግልጋሎት ክጠናኸር ምግባር እዩ፡፡

አድላይነት እቲ ማሕበር

መሓውር ግልጋሎት ቤተ ክርስቲያን ዘይበፅሓሎም ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝአትው ውለዶ ምስ መንፈሳዊነትን አስተምህሮ ቅድስት ቤተ ክርስትያንን ክፈልጡን ምስ አቦታት ብምቅርራብ አብ ቤተ ክርስቲያን ግብኦም ክዋፅኡ ንምግባርን ስብከተወንጌል ንክባፃሕን ግልጋሎት እዚ ማሕበር አድላይ እዩ፡፡

ዕላማ እዚ ማሕበር

እዚ ማሕበር እዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ዓበይቲ ዕላማታት አለውዎ፡-

  • አብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝርከቡ መናእሰይ እምነት፣ ስርዓትን ትውፊትን ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ክምሃሩን ተተካኢ ወለዶ ክኾኑን ምግባር፡፡
  • እምነትን ስርዓትን ቤተ ክርስቲያን ተሓሊው ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ምእንታን ክመሓላለፍ ትምህርተ ሃይማኖት ነዚ ሓዱሽ ወለዶ ክባፃሕ ምግባር፡፡
  • ምስ አካላት ቤተ ክርስቲያን ብምምኽኻር ትምህርተ ወንጌል ብዝተፈላለዩ መንገድታት ብመፅሔት፣ ብጋዜጣ፣ ብበራሪ ፅሑፋት፣ ብካሴትን ብዝመሳሰሉን ክመሓላለፉ ምግባር
  • እቲ ምሁር ክፋል ሕብረተሰብ ንቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብሃፍቱ፣ ብፍልጠቱን ብዓቕሙን ምእንታን ክድግፍ አድላይ ምትዕርራይ ምግባር
  • አብ ዙርያ ኦርቶዶክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን መፅናዕቲ ዝገብሩ ምሁራን ምብርትታዕን አድላይ ሓገዝ ምሃብን

ቅዋም እቲ ማሕበር

አብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ምንም ዓይነት ኢድ አእታዊነት የብሉን፡፡

አመሰራርታ ማሕበረ ቅዱሳን

ናይ ኮምዩኒዝም ርእዮተ ዓለምን አተሓሳስባን አብ ዝተስፋሕፈሐሉ ዘበን፣ ስመ እግዚአብሔር ምፅዋዕ አፀጋሚ አብ ዝኾነሉን ናብ ቤተ ክርስትያን ምምልላስ ከም ድሕረት አብ ዝርኣየሉን ዘበን 1977ዓ/ም እዩ፡፡ ብፍላይ አብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ቃለ እግዚአብሔር ምስማዕን ብግልፂ ምዝርራብን ዘይሕሰበሉ ዘበን ነይሩ፡፡ቅድም ክብል ብፍላይ ድማ አብ ዘበን ሃፀይ ኃይለስላሴ አብ ዩኒቨርሲቲን ኮሌጃትን ዘምህሩ ዝነበሩ ምዕራባውያን መምህራን ሚስዮናውያን ናይ ምንፍቕና ትምህርቲ አብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ የስፋሕፍሑ ነይሮም ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ወለዶ በቢሸነኹ ናይ ሚስዮናውያን ኑፋቔን ናይ ኮምዩኒዝም ርዕዮተ ዓለም አተሓሳስባን ብዝፈጠረሉ ፅዕንቶ ካብ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝርሐቐሉ ዘበን እዩ ነይሩ፡፡

ብፍቓድ እግዚኣብሔር አብዚ እዋን አብ ዩኒቨርሲቲ 6 ኪሎ ዝምሃሩ ዝነበሩ 5(ሓሙሽተ) መናእሰይ ብሽም ቅዱስ ገብሪኤል ዝኽሪ ጀመሩ፡፡ ብምቕፃል ድማ አብ ቅፅሪ ቤተ ክርስቲ መንበረ ፓትሪያሪክ ቅድስተ ቅዱሳን ማርያም እናተአከቡ መንፈሳዊ ትምህርቲ ምምሃር ጀመሩ፡፡ ብድሕሪኡ ድማ አብ አዳራሽ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ምስካዬ ኅዙናን መድኃኒዓለም ገዳም መንፈሳዊ ትምህርቶም ቀፀሉ፡፡

ብኸምዚ ዝተጀመረ ምንቅስቃስ አብ ካልኦት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናብ ዝርከቡ ደቂ ቤተ ክርስትያን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብፍቓድ እግዚኣብሔር ምስፍሕፋሕ ቐፀለ፡፡

አብቲ እዋን ብዝነበረ መንግስታዊ ናይ ሰፈራ መርኃ ግብሪ ብ1977ዓ/ም አብ መላእ ሀገር ዘለው ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናብ ጋምቤላ፣ መተከልን ፓዌን መንበሪ ንምጥያሽን እግሪ ምትካልን ክወፍሩ ተገበረ፡፡ አብዚ እዋን እዞም ውሉድ ቤተ ክርስትያን እናተዛተዩ ነቲ እዋን አሕለፍዎ፡፡

ድሕሪ እቲ ወፍሪ ብ1978 ዓ/ም ግልጋለቶም ብምጥንኻር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበበ ካብ ስድስት ኪሎ፣ ኣራት ኪሎን አምስት ኪሎን ቕፅርታት ቁፅሮም አርብዓ (40) ተምሃሮ አብ ምስካዬ ኅዙናን መድኃኔዓለም ገዳም ትምህርተ ወንጌል ክምሃሩ ጀመሩ፡፡ አብ 1980ዓ/ም ካብ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ አበባ አራት ኪሎ ቁፅሪ ሓምሳ ዝኾኑ አብ መንበረ መንግሥት ቅዱስ ገብርኤል ገዳም ቤት ትምህርቲ ሰንበት አምደ ሃይማኖት እናተረኸቡ ይመሃሩ ነበሩ፡፡ ብተመሳሳሊ እውን አብዚ ዓመት ትምሃሮ ኮሌጅ መምህራን ኮተቤ መንፈሳዊ መርሃ ግብሪ ጀሚሮም፡፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቶም ወዲኦም አብ 1980ዓ/ም ዝተመረቑ ተምሃሮ እቶም አብ ፃንሒቶም መንፈሳዊ ትምህርቲ ዝምሃሩ ዝነበሩ አብ ምስካዬ ኅዙናን መድኃኒዓለም ገዳም አዳራሽ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ብብፁእ አቡነ ጎርጎርዮስ ካልእን ካልኦት ብፁኣን ሊቃነ ጳጳሳትን ንመጀመሪያ ግዜ ተመሪቖም፡፡

ብመሰረት ምስ ብፁዕ አቡነ ጎርጎርዮስ ካልዕ ዝተጀመረ ርክብ አብቲ ዓመት ካብ ዝተመረቑ ተምሃሮ ዓሰርተ ክልተ ኣብ መሰልጠኒ ካህናት ቅዱስ ገብርኤል ገዳም ዝዋይ ትምህርቲ ሃይማኖት፣ ስርዓተ እምነት፣ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን፣ ትውፊትን ሜላ ስብከትን ክመሃሩ ከረሙ፡፡

ድሕሪ እዚ ስልጠና ናይ ብፁእ ኣቡነ ጎርጎርዮስ ምኽርን መምርሕን ተቐቢሎም “ማሕበረ ማርያም“ ዝበሃል ናይ ዝኽሪ ማሕበር ብምምስራት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ኣብ ዝርከባ አብያተክርስትያናት ኣብ አውደ ምሕረትን ካልኦት መርኃግብራትን ቃለ እግዚኣብሔር የምህሩን በቢወርሑ ድማ ብዛዕባ ግልጋሎቶም ይዛተዩን ነይሮም፡፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ድማ ኣብ ዝዋይ ተራኺቦም ሪፖርት አቕሪቦም፡፡

ንኻልኣይ ዙር ስልጠና ኣብ 1981 ዓ/ም ክረምቲ ኣብ ምስካዬ ኅዙናን መድኃኒዓለምን ጊቢ ገብርኤልን ይመሃሩ ካብ ዝነበሩ ዓሰርተ ክልተ ተምሃሮ ኣብ መሰልጠኒ ካህናት ዝዋይ ብብፁዕ አቡነ ጎርጎርዮስ ካልዕ ስልጠና ተዋሂብዎም፡፡

እዚ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ እናተጠናኸረ ብምቐፃል ብፍላይ ኣብ 1982 ዓ/ም ኣብ ዝተፈላለዩ ፋኩሊቲታት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፣ ኮሌጅ ህንፃ ልደታ፣ ፋኩሊቲ ሕክምና እንስሳት ደብረዘይት፣ ሳይንስ ጥዕና ከምኡ እውን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ተስፋሕፊሑ፡፡ ኣብ ክረምቲ ድማ ካብ ካብ ኮሌጃትን ዩኒቨርሲትን ዝተኣኻኸቡ ኣርብዓን ሓሙሽተን ተምሃሮ ኣብ መሰልጠኒ ካህናት ዝዋይ ስልጠና ተዋሂቡዎም፡፡ ኣብዚ ስልጠና ካብ አድባራትን ገዳማትን ኣዲስ ኣበባ ዝተወከሉ ኣርብዓ ዝኾኑ ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት እውን ተሳቲፎም እዮም፡፡

ኣብ 1983 ዓ/ም ኣብቲ እዋን ብዝነበረ መንግስቲ ኩሎም ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝርከቡ ተምሃሮ ወታደራዊ ታዕሊም ንኽወስዱ ብዝተውሃበ ትእዛዝ መሰረት ከባቢ ዓሰርተ ሓደ ሽሕ ተምሃሮ ኣብ መሰልጠኒ ኣየር ወለድ ብላቴ አተው፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኮሌጃትን ዩኒቨርሲቲታትን ተጀሚሩ ዝነበረ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ ድማ ብዝበለፀ ዝሰፍሐሉን ዝጠናኸረሉን እዋን/ግዜ ነይሩ፡፡

ኣብዚ እዋን እቶም ተምሃሮ ምሸት ምሸት እናተራኸቡ ካብ ዘብፅሕዎ ጸሎትን ካብ ዝመሃርዎ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያንን ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል ብላቴ ብፍቓድን ብዘይፍቓድን እናኸዱ ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ይሳተፉ ነይሮም፡፡

እቲ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ወታደራዊ ታዕሊም ብምኽንያት ለውጢ መንግስቲ እንትብተን እቶም ተምሃሮ መንፈሳዊ ሕብረቶም ከመይ ከምዝቕፅል ተዘራረቡ፡፡ ሰፊሕ ዘተ ምስ ገበሩ ድማ ፍቓድ እግዚኣብሔር ኮይኑ ናብ ዩኒቨርሲቲን ኮሌጃትን ምስተመልሱ ብሽም ቅዱስ ሚካኤል ተራኺቦም ቤተክርስቲያን ከገልግሉ ቃል ኣትዮም ተፈላለዩ፡፡

ሓምለ 22፣ 1983 ዓ/ም ኣብ ሐመረ ብርሃን ቅዱስ ገብርኤል ገዳም ዓመታዊ ዝክረ ዕረፍቲ ብፁዕ ኣቡነ ጎርጎርዮስ ካልዕ ዝተረኸቡ ደቀ መዛሙርትን መምህራንን፣ ሊቀ ጳጳሳት ሃገረ ስብከት ሽዋን ናይቲ ገዳም ላዕለዋይ ሓላፍን ብዝነበሩ ብፁዕ  አቡነ ገብርኤል (ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉባኤ ተኻይዱ “ማሕበር ቀደ መዛሙርትን መምህራንን ዝዋይ“ ተብሃለ ማሕበር ድማ ተመስረተ፡፡

ቅድም ኢሉ ብ1981 ዓ/ም ኣብ ምስካዬ ኅዙናን መድኃኔዓለም መንበረ መንግሥት ቅዱስ ገብርኤልን ገዳማት ዝመሃሩ ዝነበሩ ናይ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተምሃሮ ሓድነት ብምፍጣር “ማሕበረ እስጢፋኖስ“ ዝበሃል ማሕበር መስሪቶም ነይሮም፣ ዋላኳ ብዙሕ ዝተጠናኸረ ምንቅስቓስ እንተዘይነበሮ እውን፡፡ ብድሕሪኡ እውን ተመሳሰልቲ ማሕበራት ብዝተፈላለዩ ቅዱሳን ሽም ኣብ ካልኦት ፋኩሊቲን ኮሌጃትን እናተመስረቱ ተምሃሮ ይተኣኻኸቡ ነይሮም፡፡

ብሽም ቅዱሳን ዝተፈላለዩ ማሕበራት መስሪቶም ዝራኸቡ ዝነበሩ አባላት ዕላምኦም፣ግልጋለቶም ኮነ ታሪኾም ሓደ ዓይነት ብምኻኑ አብ ሓደ ማሕበር ተትጥርነፉ ዝልዓለ ግልጋሎት ምፍፃም ከመዝኽእሉ አስተውዓሉ፡፡ ‹‹ንምንታይ ሓደ ማሕበር መስሪትና ብሓባር ዘይንሰርሕ?>>ዝብል ሓሳብ እናልዓሉ በብእዋኑ እናተዘራረቡ ፀኒሖም፡፡እቲ ኣብ ዝዋይ ዝተመስረተ ማሕበር ሽም ንምውፃእ አብ ኣዲስ ኣበባ አብ ናይ ብፁዕ አቡነ ገብሪኤል መንበሪ ገዛ አብ ዝተኻየደ አኼባ እቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ሓሳብ ቀሪቡ ዘተ ተገበረሉ፡፡ አብ መወዳእታ ድማ ብፁዕ አቡነ ገብርኤል ‹‹ኩላትኩም ዝጀመርኩምዎ ግልጋሎት ክብሪ ቅዱሳን ዝግለፀሉ ስለዝኾነ ማሕበርኩም ‹‹ማሕበረ ቅዱሳን>> ይበሃል>> ክብሉ ብዝሃብዎ ሓሳብ መሰረት ቅድም ክብል ተመስሪቶም ማሕበራት ተጠርኒፎም ማሕበረ ቅዱሳን ተመስሪቱ፡፡

እቶም አባላት መንፈሳዊ ግልጋሎቶም ስርዓት ቅድስት ቤተ ክርስትያን ሓልዩን አብ ትሕቲ ምምሕዳራዊ መሓውር ቤተ ክርስትያን ተጠርኒፉ ንኽቅፅል አፍልጦ ክረክብ ከመዘለዎ አሚኖም ፤ ናብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ሰንበት መመሓደሪ ደንብ ሒዞም ቀረቡ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ማሕበረ ቅዱሳን ንፈለማ እዋን አብ መሓውር ምሕደራ ቤተ ክርስትያንተጠርኒፉ ግንቦት 2/1984 ዓ/ም ኣብ ትሕቲ ቤት ፅሕፈት ምሕደራ አብያተ ትምህርቲ ሰንበት ከምዝተጣየሸ ብዕሊ ተገሊፁ፡፡ ካብቲ እዋን ጀሚሩ ድማ እዚ ማሕበር አብ ትሕቲ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ኮይኑ መንፈሳዊ ግልጋሎት እናፈፀመ ይርከብ፡፡

0 replies

Leave a Reply

Want to join the discussion?
Feel free to contribute!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *